Ce document contient le Symbole de Nicée-Constantinople (325, 381) en langue tigrigna parlée en Érythrée, en Éthiopie et à Djibouti.

1 pages.

Le Symbole de Nicée en langue tigrigna

ሰማይን ምድርን ዝርአን ዘይርአን ዝፈጠረ፡ ኩሉ ብዝሓዘ ብሓደ እግዚኣብሔር ኣቦ ንኣምን። ዓለም ከይተፈጥረ ምስኡ ህልው ብዝኾነ፡ ብሓደ ወዱ ንኣቦ፡ ብጉይታና ብኢየሱስ ክርስቶስ ንኣምን። ንሱ ብርሃን እንካብ ብርሃን፡ ኡነተኛ ኣምላኽ እንካብ ኡነተኛ ኣምላኽ ዝተወልደ እምበር፡ ዘይተፈጥረ። ብመለኮቱ ምስ ኣቦ ትኽክል ዝኾነ፡ ብዘይ ብኣኡ ኣብ ሰማይ ኮነ ኣብ ምድሪ ሓደ ነገር እዃ ዝኾነ ዘየልቦ። ምእንታና ምእንቲ ድኀነት ሰበ እንካብ ሰማይ ዝወረደ፡ ብናይ መንፈስ ቅዱስ ስራሕ፡ እንካብ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ሥጋ ለቢሱ ሰብ ኮነ። ብዘመን ጺላጦስ ጴንጠናዊ ምእንታና ተሰቕለ፡ ተሣቐየ ሞተ፡ ተቐብረ። ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ከምዝተጻሕፈውን፡ ብሣልሳይ መዓልቲ እንካብ ሞት ተንሥአ፡ ብኽብሪ ናብ ሰማይ ዓረገ፡ ኣብ የማን ኣብኡ ተቐመጠ፡ እንደገና ሕያዋንን ሙታንን ኪፈርድ ብኽብሪ ኪመጽእ እዩ፡ መንግሥቱውን መወዳእታ የብሉን። ካብ ኣብን (ካብ ወልድን) ዚሰረጸ፡ ብመድኃኒ ጉይታ፡ ብመንፈስ ቅዱስ ንኣምን። ብኣፍ ነብያታ ንዝተናገረ፡ ንኣኡውን ምስ ኣቦን ወልድን ንሰግደሉን ነመስግኖን። ኣብ ኩሉ ቦታ እትርከብ ናይ ሓዋርያት ጉባኤ ብዝኾነት፡ ብሓንቲ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ንኣምን። ንሥሬት ኃጢኣት ብዝተሰርዐት ብሓንቲ ጥምቐት ንኣምን። ብትንሣኤ ሙታንን፡ ብዚመጽእ ናይ ዘለዓለም ሕይወት ተስፋ ንገብር፡፡ ኣሜን፡፡